ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኸይድ ዘሎ ዓሌታዊ ናዕቢ ንምጥንቃቕ ዝምልከት መልእኽቲ

መጠንቀቕታታት፣ ድሕነትን ሓበሬታን፥ 

ኣብ`ዚ ግዜ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰፊሕን ዝተዋሃሃደን መጥቃዕቲታት ኣብ ልዕልን ኣንጻርን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (ብፍላይ ድማ ናብ ኣመንቲ ምስልምናን ዘይጻዕዳ ዓሌት ዝቑጸሩ ነበርትን ዝቐንዐ) ብ ሕሉፋት የማናውያን ሸበርቲ/ናዕበኛታት ይካየድ ኣሎ። እዚ ኣብ ውልቀሰባት፣ ማሕበረኮማትን ትካላትን ዝቐንዐ እዩ። እዚ ናዕቢ በቲ ኣብ ሳውዝፖርት (Southport) ዘጋጠመ መጥቃዕቲ እሞ ህይወት 3 ህጻናት ዝወሰደን መቑሰልቲ 8 ካልኦትን ዘስዓበ ሓደጋን ንዓኡ ስዒቡ ዝተነዝሐ ናይ ሓሶት ሓበሬታን አዩ ተለዓዒሉ። ማለት፣ እዚ ናይ ሓሶት ምንጪ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ነቲ ናይ ሳውዝፖርት መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣማኒ ምስልምናን ሓታቲ ዕቕባን እዩ ዝብል ነበረ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ብ ሕሉፋት የማናውያን፣ ጸረ-ስደተኛታትን ዓሌታውያንን እኩባት ሰባት ሰፊሕ ናዕቢ ተላዒሉን ናብ ብዙሕ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ብምስፍሕፋሕ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ሓደጋ ኣውሪዱን የውርድ ኣሎን።

እዚ መጥቃዕትታት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፣ ብፍላይ ከኣ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 07 ነሓሰ 2024  ጀሚሩ ብሰፊሑ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ብፍላይ ኣብ ናይ ስደተኛታት ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት፣ ስደተኛታት/ሓተትቲ ዑቕባ ዝነብሩሉ መዕረፊ ኣጋይሽን ሆቴላትን ዝቐንዐ ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ቦታታት ዝርዝር ኣብዚ ጽሑፍ ኣብ ታሕቲ ኣሎ። እዚ ኣዝዩ ኣስጋእን ኣሰካፍን ዝኾነ ናይ ሓደጋ ኩነታት ከም ምዃኑ መጠን ኩሉ ዝከኣለና ክንሕግዝ ቅሩባት ኢና እሞ ክትውከሱና ንምሕጸን። 

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ዝተባህለ ቦታታት ዝለዓለ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ከዋድድ ትጽቢት ኣሎ፣ እንተኾነ እዚ ምሉእ ውሕስነት ክህብ ኣይክእልን፣ ብፍላይ ድማ ገለ ዝተገለለ ኣብ ውልቀሰባትን ንብረትን ዘጋጠመ መጥቃዕትታት ኣብ ግምት ብምእታው። ነዚ ንምክልኻል ውን ካብ ገለገለ ማሕበረኮማት ዝተጠርነፉ ሰባት ኣብዚ ቦታታት ክመጽኡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ`ዚ ኩነታት ንድሕነትኩም እዚ ዝስዕብ ምሕጽንታ ንህብ፥ 

  • ትቕመጥሉ ቦታ (መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ሆተል ወይ ማእከል ስደተኛታት) ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዝርዝር እንተ ኣሎ ሓደራኹም ኣብኡ ኣይትጽንሑ ወይ ካብኡ ርሓቑ 

  • ምስ ናይ ስደተኛታት ኣገልግሎት ዝህበኩም ሰብ ወይ ትካል ብዛዕባ ድሕነትኩምን ጸጥታን ተዘራረቡ 

  • ብዝተኻእለ ብ ውሑድ ቁጽሪ ተጓዓዙ ወይ ንጥፈታትኩም ኣካይዱ፣ ታክሲ ወይ ራይድ ድማ ሓቢርኩም ተጠቀሙ፣ መጥቃዕቲ ኣሎ እንተሰሚዕኩም ዝኾነ ጉዕዞ ኣይትመድቡ። 

  • ዘለኹሞ ቦታ ንትኣምንዎ ሰብ ጥራይ ሓብሩ፣ ብ ስልኪ ቁጽሪ ደኣ አምበር ብ ዋትስኣፕ ኮነ ካልእ ሶሻል ሜድያ ዘለኹሞ ቦታ ኣይትሓብሩ ወይ ውን ሼር፣ ታግ ኣይትግበሩ። 

  • ተሌፎንኩም ኩሉ ግዜ ቻርጅ ግበርዋ፣ ተንቀሳቓሲ ቻርጀር ውን ምሳኹም ሓዙ፣ ከምኡ ውን ኣገዳሲ ቁጽሪ ተሌፎናት ኣብ መዝገብኩም ሓዙ ብፍላይ ድማ ናይ ቀረባ ናይ ስደተኛታት ማአከልኩም። 

  • እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ምስ ካልኦት ኣባላት ሕብረተሰብኩም ተኻፈልዎን (ሼር በልዎ) ን ኣካለ ጽጉማት ድማ ዝከኣለኩም ሓግዙ። 

  • ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክትምድቡ እንተደኣ ሓሲብኩም፣ ሓደራኹም ድሕነት ብዝሓለወ ኣገባብ መድቡ፣ ምስ እዞም ናዕበኛታት ድማ ዝኾነ ቀጥታዊ ርክብን ጎንጺን ኣወግዱ። 

ተወሳኺ ሓገዝ ምስእትደልዩ

ተወሳኺ ሓገዝ፣ ውሑስ ቦታ ንምርካብ ይኹን ካልእ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ተወከሱና። ወለንታውያን ኣባልትና ንክሕግዙን ሕቶታትኩም ክምልሱን ቅሩባት እዮም። ብ ቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዝን ዓረብን ክትጽሕፉልና ትኽእሉ ኢኹም። 


ኣብ ሓደጋ እንተሃሊኹም እሞ ህጹጽ ሓገዝ ምስእትደልዩን በዚ ቁጽሪ ናብ ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት ደውሉ 999።

ብ ኢመይል ኣብ: info@onedayseyoum.org ወይ ብ ሶሻል ሜድያ ኣብ @onedayseyoum ክትረኽቡና ትኽእሉ።

ካልኦት ትካላት ብዛዕባ`ዚ ናዕቢ ሓበሬታ ክትረኽቡሉ ትኽእሉ፥ 

  • @UKisnotinnocent (ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ብቐጥታ የመሓላልፍ)

  • @standuptoracismUK

  • @hopenothate

  • @right_to_remain

  • @praxis_uk 

  • @daaroyouth (ኣብ ሎንዶን ዝቕመጡ መንእሰያት ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣተኲሩ ይሕግዝ) 

እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዋን እዩ እሞ ሓደራ ንጠንቀቐን ሓድሕድና ንደጋገፍን። ዓሌታውያን ክጎድኡና ናዕቢ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን ንሓድሕድና ንደጋገፍ። 

እዚ ዝስዕብ ዝርዝር ቦታታት መጥቃዕቲ ክካየድሉ ተሓሲቡ ዘሎ እዩ፥

እዚ ዝርዝር ክሳብ ሎሚ ዕለት 07 ነሓሰ 2024 ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ እዩ፣ ብዝተኻእለና ድማ ዝኾነ ለውጢ ምስዝህሉ ከነሕድሶ ኢና፥

PICTURES YOU CAN SHARE